ገጽ መርበብ ሓበሬታሬድዮ ቫቲካን
Vatican Radio   
more languages  

     ገጽ መርበብ ሓበሬታ > ወጣቶች >  2013-07-04 16:41:21
A+ A- ነዚ ገጽ’ዚ ሕተም



ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሪዮ2013 ዓ.ም.



RealAudioMP3 ናይቲ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስቲያን ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ትእምርቲ ዝኾነ ዓቢይ መስቀልን ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቅዱስ ምስሊ ኣብቲ ለብዘበን መበል 28 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ካብ ዕለት 23 ሓምለ ክሳብ ዕለት 28 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ዝካየደላ ከተማ ሪዮ ዕለት 6 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ክበጽሕ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ እንክሕብር፣ እቲ ቅዱስ ምልክት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ሪዮ ክፍለ ከተማ ሳንታ ክሩዝ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሴፍ ቤተ ክርስቲያን በጺሑ ኣብኡ ብናይ ሪዮ ሊቀ ጳጳሳት ብብፁዕ ኣቡነ ኦራኒ ተምፐስታ ዝምራሕ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ከምዝኾነን ኣብቲ ቅዳሴ ናይ ሪዮ መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን መንፈሳዊ ማሕበራት ክሳተፉ ምዃኖም ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።
ድሕሪ እቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ብናይ ብራዚልን ካብ ከባቢ ላቲን ኣመሪካ ሃገራት ብዝተዋጽኡ ውሩያትን ዓበይትን ማሕበር ምዘምራንን ሙዚቀይናታትን ምርኢት መንፈሳዊ መዛሙር ክቐርብ ከምዝኾነን እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዑደት ፈጺሙን ኣብ ብራዚል እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ዑደት ፈጺሙ ኣብ ሪዮ ክበጽሕ ከምዝኾነን ዑደት ናይቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መንፈሳዊ ትእምርቲ ንገዛእ ርእሱ መደብ ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ እንክብሉ ብፁዕ ኣቡነ ተምፐስታ ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።




ጭኦንድቪድ






መንነትና ሰዓታት መደባት ናብ ክፍሊ ምስንዳው መደባት ንምጽሓፍ ፍረ ሥራሕ ሬድዮ ቫቲካን ርክባት ካልኦት ቋንቋታት ቫቲካን ሃገረ ቫቲካን ናይ ር.ሊ.ጳ. ሥርዓታት ሊጡርጊያ
ናይዚ መርበብ’ዚ ትሕዝቶ ኵሉ መሰል ደራሲ ዘለዎ እዩ ©. ምሕደራ መርበብ / ናይ ደርስቲ ኣስማት / ሕጋዊ ኵነታት / መላለዪ