ገጽ መርበብ ሓበሬታሬድዮ ቫቲካን
Vatican Radio   
more languages  

     ገጽ መርበብ ሓበሬታ > ፍትህና ሰላም >  2013-08-08 15:53:18
A+ A- ነዚ ገጽ’ዚ ሕተም



ግብጺ፦ ጽንኩር ህልው ኩነታት ግብጺ



RealAudioMP3 ነቲ ኣብ ግብጺ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ንምውጋድ ኣሚቱ ኣብ መንጐ ናይ ግብጺ ግዚያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስትን ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብን ዘተ ክህሉው ነቲ ህልው ኵለ መዳዊ ቅልውላው ብሓባር ብዝቕበልዎ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ንምፍታሕ ሓቂኑ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተመርሔ ሕብረት ኤውሮጳ ዘሳተፍ ናይ ሓባር ዘተ ብዘይ ውጽኢት ከምዝተረፈ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ግብጺ ናይ ግዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ርእሰ ብሔር እቲ ናይ ሓባር ዘተ ብዘይ ውጽኢት ክተፍር ዝደረኾ ምኽንያት ደገፍቲ ናይቶም ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩ ነበር ርእሰ ብሔር ሞርሲን እስላማዊ ሕውነታዊ ፓለቲካዊ ውድብ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ምዃኑ የመልክት። እቶም ደገፍቲ ሞርሲ ኣባላት እስላማዊ ሕውነት ፖለቲካዊ ውድብን ሰዓብትን ሞርሲ ናብ ስልጣኖም ክሳብ ዘይተመልሱ ቅዋም ሃገር ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክሳብ ዘይወዓለ እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣድማ ከምዘይቋርጹን ካብ ኣደባባያት ካይሮን መላእ ግብጽን ከምዘይወጹ ከምዝገለጹ እንክፍለጥ፣ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ዓለም ሓቆፍ ርክባት ሊቅ ልዊጂ ቦናናተ ምስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳልቫቶረ ሳባቲኖ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ናይ ግብጺ ኩነት እቶ ጽድያ የዕራብ ሃገራት ዝተባህለ ማሕብራውን ፖሊቲካዊ ለወጢ ከምጽእ እዩ ዝበሃል ዝነበረ ማሕበራውን ፖለቲካውን ከይዲ ናበይ ገጹ የምርሕ ኣሎ ዝብል ሕቶ ዘበግስ እዩ።
ብምዕራብ ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ዓለም ሓቆፍን ሃገራትን ሽማግለ ተባሂላ ክትግለጽ እንከላ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ሽማግለ ተባሂላ እያ እትግልጽ ጸኒሐ፣ ስለዚህ ናይ ግብጺ ዘይምርግጋእ ንጉዳይ እስራኤልን ፍልስጥኤም ከምዝተሓላልኾን ብጠቕላላ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርአይ ዘሎ ቅልውላው ንገዛእ ርእሱ ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ብዘይ ውጽኢት ከትርፍ ዝድርኽ ኩነት እዩ እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።




ጭኦንድቪድ






መንነትና ሰዓታት መደባት ናብ ክፍሊ ምስንዳው መደባት ንምጽሓፍ ፍረ ሥራሕ ሬድዮ ቫቲካን ርክባት ካልኦት ቋንቋታት ቫቲካን ሃገረ ቫቲካን ናይ ር.ሊ.ጳ. ሥርዓታት ሊጡርጊያ
ናይዚ መርበብ’ዚ ትሕዝቶ ኵሉ መሰል ደራሲ ዘለዎ እዩ ©. ምሕደራ መርበብ / ናይ ደርስቲ ኣስማት / ሕጋዊ ኵነታት / መላለዪ