2010-01-12 14:16:21

ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን


ከምቲ በቢ ዓመቱ ካብ ዕለት 18 ጥሪ ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ምእንቲ ምርግጋጽ ሓድነት ዝተፈላለዩ ማኅበረ ክርስትያን ዝግበር ናይ ጸሎት መደብ መሠረት፣ ኣብ ገዳማት ደናግል ደቂ ቤተ ክርስትያን RealAudioMP3 ወትሩ ንናይ ሓድነት ክርስትያን ምርግጋጽ ሓሳብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ በቢ መዓልቱ ብዝተፈላለዩ ሥርዓታት ማለት ብላቲን ሥርዓት ብሥርዓት ቢዛንታይንን ግሪክን፣ ቢዛንታይን ኡክራይን፣ ኣርመንን ብሥርዓት ግእዝን፣ ቢዛንታይን ሮማኒያን፣ ሶሪያ ማላንካሬስን ሶሪያ ማሮኒታን፣ ከምዝኾነ እውን እንክንገር፣ ኣብ ኢጣሊይ ሮማ ከተማ ኣብ ባሲሊካ ቅድስቲ ማርያም ዘ ጎዳና ላታ ካብ ዕለት 18 ጥሪ ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. በቢ ዕለቱ ምሸት ልክዕ ሰዓት ሸሞንተ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክቐርብ ምዃኑ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.