2010-02-02 13:35:08

ዝኽሪ ዓመት ኢዮቤል ቅዱስ ጵውሎስ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 28 ሰነ 2008 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ ዕለት 28 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ. ዓመት ኢዩበል ቅዱስ ጳውሎስ ክኸውን ዝመሓላለፍዎ ውሳኔ ዓመት መዘከርታ RealAudioMP3 ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጵውሎስ ዓቢይ ኣፈት ሰኣላይን ናይ ሓወልቲ ቀራጽን ጉይዶ ቨሮይ ዝተሰርሐ መዘከርታ ስሌዳ ከምእተሓትመ ተገሊጹ።

እዚ ዝተቐርጸ ናይ ሓወልቲ ሰሌዳ ኣብቲ ኣፈት ንምሕታም ኣብ ዝተኻየደ መደብ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ሊቀ ካህናት ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ሞንተሪሲንን ቅድሚኦም ናይታ ባዚሊካ ሊቀ ካህናት ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ዲ ሞንተዘሞሎ እውን ከምእተሳተፉን እንክንገር፣ ብዙሓት ምእመናን ናይ ሮማ ኣቢያት ክርስያን ልኡኻት ቆሞሳትን ናይ ዝተፈላለያ መንፈሳዊ ማኅበራት ወከልትን ከምእተሳተፉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.