2010-02-20 13:21:04

ስድራ ቤትን ሚሥጢረ ተክሊል ንምክልኻል


ናይ ፖርቱጋል ሕዝባዊ ባይቶ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ሓዳር ዝፈቅድ ንኸጽድቖ ዝደሊ ዘሎ ሓድሽ ንድፈ ሕጊ፣ ንፍጥረት ሰብን ትርጉም ሥድራ ቤትን ሚሥጢረ ተክሊልን RealAudioMP3 ፣ ዝቃወም ምዃኑ ንምግላጽ ናይዛ ሃገር ካቶሊካውያን ምእመናን ዝነቓቕሕዎ ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ ከምእተኻየደ ተሓቢሩ።

ሕዝባዊ ባይቶ ነቲ ሕጊ ውድቂ ክግበሮ ዝሓትት ውሳኔ ሕዝቢ መሠረት፣ ልዕሊ 90 ሺሕ ክታም ከምእተኣከበ ናይ ፖርቱጋል ምእንቲ ሕይወት ዝሓሊ ፈደራላዊ ማኅበር ሊቀ መንበር ኢሲልዳ ፐጋዶ ጠቒሰን፣ ነቲ ሕጊ ዘይድግፍ እውን ከምዘሎ ድምጽና ንምስማዕን ብመሠረቱ እቲ ሕጊ ጸረ ፍጥረት ሰብ ምዃኑ ንምግላጽ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኢዩ። መንግሥቲ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዘተ መደባት ከየቕረበን ርእይቶ ሕዝብን ምሁራትን ከይሓተተ ንምጽዳቕ ዝገብሮ ዘሎ ከይዲ፣ ነተልእኾ ሕዝባዊ ባይቶ ዝቃወም ከምዝኾነን፣ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ነጻነትን ምኽባር ሚሥጢረ ተክሊልን፣ ሥድራ ቤትን ክኽበር ዝሓትትን ነቲ መንግሥቲ ከጽድቖ ዝደሊ ዘሎ ርእይቶ ሕዝቢ ዘይሓተተሉ ምልካዊ ሕጊ ዝቃወም መደብ ኢዩ ከምዝበላ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.