Home Archivio
2010-07-06 13:42:22
ብፁዓን ጳጳሳት ስፐይን፣ ጻውዒት ንናይ ሞት ባህሊ ምቅዋም
ኣብ ስፐይን ካብ ትማሊ ዕለት 5 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ጀሚሩ ብወግዒ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ዝጀመረ ናይታ ሃገር መንግሥቲ፣ ክሳብ ናይ 14 ሰሙን ጽንሲ ምንጻል
ዝፈቅድን ከምኡ ድማ ናይ 22 ሰሙን ጽንሲ እታ ነፍሰ ጹር ኣደ ሕይወታ ካብ ሓደጋ ንምክልኻልን ወይ ድማ እቲ ጽንሲ ንጥዕናኣ ኣስጋእን ከማኡ ድማ እቲ ዝተጸንሰ ስንኵልን ጉድለት ስንከላ ከምዘለዎ እንተድኣ ብዓንተውኡ ተፈሊጡ በዚ መሠረት ጽንሲ ምንጻል ዝፈቕድ ዘጽደቖ ሕጊ ጸረ ሕይወትን ናይ ሞት ባህልን ምዃኑ ብምግላጽ ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኮኒኖም።
ትሕቲ ዕድመ ዝኾነት እንተ ድኣ ጽንሲ ሒዛ ዋላ’ኳ ትሕቲ ዕድመ ትዅን ብዘይ ናይ ወለዳ ፍቓድ ነቲ ጽንሲ ክትንጽል፣ እዚ ድማ እታ ነፍሰ ጹር ትሕቲ ዕድመ ንወለዳ ክትሕብሮም ትሕዝቲ ኢያ እኳ ኣንተበለ ጽንሲ ምንጻልን ዘይምንጻልን ግን ናታ ውሳኔ ኢዩ። ብኻልእ መዳይ ምስ ወለዳ ናይ ዓመጽን ዘይምቅዳውን ኩነት እንተድኣ ኣለዋ ግን ከይሓበረት ጽንሲ ክትንጽል ዝፈቅድ ሕጊ እውን ምዃኑ ብጹዓን ጳጳሳት ስፐይን ሓቢሮም፣ እዚ ሓድሽ ሕጊ ጸረ ሞራላዊ ሕሊናን ብፍላይ ድማ ንናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ሥልጣን ትምህርቲ ዝጻረርን ጸረ ሕይወትን ናይቲ ዝተጸንሰ ናይ ምውላድን ናይ ተፈቃርነትን ቅዱስ መሰሉ ዝሓክኽ ጸረ ፈጣርን ፍጥረትን ምዃኑ ብምትንታን፣ ጸረ ሕይወትን ናይ ሞት ባህልን፣ ጸረ ዝኾነ ይዅን ምዕባለ እውን ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም፣ ሕዝቢ ብፍላይ ድማ ኣማንያን ነዚ ሕጊ ብናይ ሕይወት ባህሊ ክቃወምዎን ናይ ሕይወት ባህሊ ኣብ ምስራጽ ተልእኾ ክተግሁ ሓደራ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.