2010-07-17 15:48:31

ሰንበት ፡ አብ ኡጋንዳ ዕለተ ጸሎት ግዳያት ተግባረ ሸበራ ፡


ቅድሚ ሕደ ሰሙን አብ ኡጋንዳ ርእሰ ክተማ ካምፓላ ሸውዓተ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ሰብዓን ሰለስተን ሰባት ብተግባረ ሽበራ አል ሻባብ ሕይወቶም ከም ዝስአኑን ብዙሐት ከም ዝቆኣሰሉን ክዝከር ከሎ ፡ ጽባሕ ሰንበት አብ ኩለን ሰበኻታትን ቆምስናታትን ኡጋንዳ ምእንቲቶም ዝተቀትሉ ሰባት መስውዕተ ቅዳሴ ከም ዝካየድ ናይ ካምፓላ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ሲፕርያን ኪቶ ልዋንጋ አፍሊጦም ከም ዘለዉ ፊደስ አገልግሎት ዜና አመልኪቱ።

እዞም ግዳያት ተግባረ ሽበራ ዝኾኑ ሰባት አብ ቤት መግብን አብ መዘንግዒ ክለብን ከለዉ ከም ዝተቀትሉ ይፍለጥ ።

ሊቀ ጳጳስ ካምፓላ ብስም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኡጋንዳ ንቤተ ሰብ መወቲ ጽንዓት ክህቦቦም ከም ዝጽልዩ አመልኪቶም ካብ ሰብእዊ ወጻኢ ዝኾነ ትርጉም ዘይብሉ ዝሰቅቅ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነ ጠቂስም ነቲ አረሜናው ተግባር ከም ዝኸንዎ ፊደስ አገልግሎት ዜና ካብ ካምፓላ አመልኪቱ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ሐዘን ተለግራም ንካምፓላ ከም ዝልአኹ ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.