2010-08-21 13:26:31

ፍልሠታ ለማርያም


ብሥርዓተ ሊጡርጊያ ሃገርና ሎሚ ድሮ በዓለ ፍልሠታ ኢዩ፤ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት እዚ በዓል እዚ ካብ ዓበይቲ በዓላት ቤተ ክርስትያን ሓደ ከምዝኾነን እኖና እግዚአትነ ማርያም ምድራዊ ሕይወታ ምስ ፈጸመት ብሥጋኣን ብነፍሳን ናብ ዘለዓለማዊ ክብሪ ምስ እግዚአብሔር ብፍጽምና ብምውህሃድ ንሰማይ ፈለሠት እንክብሉ በዓለ ፍልሠታ ለማርያም ገሊጾም። ኣጋኣጣሚ ኮይኑ ከኣ ሎምዘመን እዚ በዓል እዚ ብዕሊ ዝተወሰነሉ ኣዋጅ ዓንቀጸ ሃይማኖት ብዝክረ ጥዑም ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ብዕለት 1 ኅዳር 1950 ዓምፈ ካብ ዝእወጅ መበል 50 ዓመት ንዝክር ኣሎና፤ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ሙኒፊቸንቲሲሙስ ደዩስ ማለት ፍጹም ሕያዋይ እግዚአብሔር ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም ብምእዋጅ ‘ኣብ መወዳእታ ድማ እዛ ካብ ኩሉ ርስሓት ኃጢኣት ኣዳም ናጻ ዝኾነት ንጽሕቲ ድንግል እዚ ምድራዊ ሕይወታ ምስ ኣብቀዐ ብሥጋን ብነፍስን ናብ ሰማያዊ ክብሪ ተወስደት፤ ብፍጹም ምልኣት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣትን ሞትን ዝተዓወተ ወዳ ምእንቲ ክትመስል ከኣ ጐይታ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ንግሥቲ ገቢሩ ኣማዕረጋ’ እንክብሉ ኣዊጆም።

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ፍልሠታ ስብከቶም ሕመረት ናይ በዓለ ፍልሠታ ለማርያም እዚ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ወዳ ንሞት ስዒራ ብነፍሳን ብሥጋኣን ሰማያዊ ክብሪ ብምልባስ ንሰማይ ፈለሠት ቢሎም።

ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ‘ስለዚ ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፤ ከምኡ ኸኣ ትንሣኤ ሙታን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ፤ ከምቲ ኲላቶም ብኣዳም ዝሞቱ ከምኡ ድማ ኲላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ኮኑ’ ይብል፤ ደቂ ኣዳም ከኣ ኣብ ክልቲኡ ተሳተፍና፤ ኣብቲ ቀዳማይ ባህርያዊ ሱታፌ ኮይኑ ብኃጢኣትን ብሞትን ኣብቲ ካልኣይ ኣዳም ዝኾነ ክርስቶስ ግን ብትሩፋት ሕማማቱ ብጽድቅን ትንሣኤን ክንሳተፍ ዕድል ረኸብና፤ ክርስቶስ ምሳኡ ሓደ ስለዝገበረናኸስ ትንሣኤ ሙታን ኣብ ውሽጥና ኣሎ፤ ናይዚ ጸጋ እዚ ቀዳመይቲ ተኻፋሊት ብምዃን እኖና ድንግል ማርያም ናይዚ ምድሪ እዚ ሕይወታ ምስ ኣብቅዐ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ እቲ ናይ መጨረሻ ጸላኢና ዝኾነ ሞት ኣብ ዝተሸነፈሉ ሕይወት ድሮ ትነብር ኣላ፤ ነቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ብትንሣኤ ሙታንን ብናይ ዘለዓለም ሕይወትን እኣምን እትብሎ እግዚ እትነ ማርያም ድሮ ትነብሮ ኣላ።

ቅዱስነቶም ምንጪ ናይዚ እምነት ከምዝኾነ፤ እኖና ከኣ ‘ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ’ ብማለት ብትሕትና እምነታ ገሊጻ። ድሕሪ ምባል ካባና ዝተፈልየት ገርና ክንር እያ የብልናን ከመይ ኲልና ብትሩፋት ክርስቶስ ከም ኣ ክንከውን ብ እምነት ምሳኡ ክንወሃሃድ ተጸዊዕና ኢና፤ ስለዚ ብፍጽምናን ብሓቅን እንዳተመላለስና ብ እምነት ምሳኡ ሓደ ክንከውን ከምንኽ እል ኣይንዘንግዕ ብማለት በዓለ ፍልሠታ ከም ትንሣኤ ፍቁር ወዳ ተስፋና ከምዝኾነ ንኸይንዝንግዕ ሓደራ ቢሎም ነቢሮም። ርሑስ በዓለ ፍልሠታ ይግበረልና።








All the contents on this site are copyrighted ©.