2012-06-28 14:56:42

ተቛም ሓልዮ ግብረ ሃይማኖት


ትማሊ ንጎሆ እቲ Ior ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተቛም ሓልዮ ንናይ ሃይማኖት ተግባር ሕርያ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣካየድቲ ዕዩ ንምስንዳው ዝሃቀነ ናይቲ ተቛም ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣባላት RealAudioMP3 ኣኼባ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ሓቢሩ።
ናይቲ ተቛም ምኽትል ሊቀ መንበር ሮናልዶ ሀርማን ሽሚዝን ፕሮፈሰር ካርል ኣልበርት ኣንደርሶንን ኣንቶኒዮ ማሪያ ማሪኮንን ማኑኤል ሶቶ ሰራኖ ዘጠቓለለ ኣኼባ ከምዝነበረ ክምልከት እንከሎ፣ እዞም ናይቲ ተቛም ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ፍጻሜ ኣኼባኦም፣ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ምስ እትምራሕ ናይ ተቛጻጻርቲ ድርገት ብፁዓን ካርዲናላት ኣኼባ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ የመልክት።
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዝሕብሮ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓበሬታ ንምክፋልን ንናይ ተቛም ሓልዮ ግብረ ሃይማኖት ዕዩ ዝድግፍ ሓሳብ ዝቐረበሉን ኮይኑ ንናይቲ ተቛም ኣቦ ወንበር ንምምራጽ ዝበቕዕ ባይታ ንምስንዳው ኣውን ኣሚት ዝተኻየደ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ኣቢሎም ወትሩ ነቲ ተቛምቀረባ ኮይኖምን ጸብጻባትን ሓበሬታን ብምርካብ ንተቛም ሓልዮ ግብረ ሃይማኖት ብቐረባ ዝከታተልዎን ከማኡ እውን ብዛዕባ ዕለታዊ ፍጻሜታቱ ቀጻሊ ሓበሬታ ከምዝቐርበሎም እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.