2012-11-03 15:16:19

ሓድሽ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኣኃው ፋተበነፍራተሊ


እቲ ጥንታዊ ኣብ ቤት ሕክምናታት ብስነ ክንክን ጥዕና ሙያ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘቕርብ ብቅዱስ ዮሓንስ ዘ እግዚኣብሔር ዝተመስረተ ኣብ 52 ሃገራት ብዝተፈላለዩ 311 ቤት ሕክናን ናይ ግብረ ሰናይ ተቛማትን ናይ ሕንጸት ማእከላት ኣቢሉ ዘገልግል ዘሎ ማሕበር ፋተበነፍራተሊ ቅድሚ ትማሊ ብ80 ገዳማውያን RealAudioMP3 ደቂ ማሕበርን 20 ዝግመቱ ዓለማውያን ምእመናን ዘሳተፈ ዕለት 1 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ዝጀመረ ክሳብ ዕለት 9 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጉባኤ ኣብ ናይ ትማሊ ዋዕላኡ ሓድሽ ናይቲ ገዳማዊ ማሕበር ጠቅላሊ ሓለቓ ከምዝመረጸ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም፣
እዞም መበል 54 ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ፋተበነፍራተሊ ተወላዲ ስፐይን ሓው ኸሱስ ኤታዮ ኣሮንዶ ከምዝኾኑን፣ ክቡር ጠቕላሊ ሓለቓ ሓው ኤታዮ ኣሮንዶ ምስ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብቲ ማሕበር ዝዋስኡ ብዙሓት ዓለማውያን ምእመናን ከምዘለዉን ኣብ ገለ ገለ ዓበይቲ ሓላፍነታት እውን ዝተቐመጡ ዘለዉ ከምዝኾኑን፣ ኩሉ ኣብ’ዚ ማሕበር ዝዋሳእ ዓለማዊ ምእመን ኮነ ገዳማዊ ወዲ ማሕበር ነቲ ናይቲ ማሕበር መንፈሳዊ መምርሒ እዩ ዝነብር።
ኣብዚ ናይ እምነት ዓመት ብሓቂ እቲ ማሕበር ኣብ ሓድሽ ኣስፍተ ወንጌል ዓላማ ተጸሙዱ ኣገልግሎት ኣብ ዝህበሉ ዘበለ ኵሉ ስፍራ ኵሉ ከምዝዋሳእን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ ማሕበራትን ገዳማትን መንፈሳውነት ሕዳሴ ኣብ ቀጻልነት ዝብል እዩ። ኵሉ በቢ ዘገልግለሉ ጸዋዕታ ተሓዲሱን ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ክዋሳእ ዝብል ናይ ቤተ ክርስያን ጸዋዕታ ዝነብር ማሕበር እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.