2013-02-02 15:08:14

ቲዮሎጊያዊ ኣተረጓጉማ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን


RealAudioMP3 ኣብ ሮማ ኣብ ሕንጻ ላተራነንሰ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቲዮሎጊያዊ ኣተረጓጉማ ካልኣይ ጉባኤ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝተኻየደ ተኸታታሊ መደብ ዓውደ መጽናዕቲ ቅድሚ ትማሊ ከምእተጠናቐቐ ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።
ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ፍጻሜ መደብ Gaudium et spes-ፍስሃን ተፋን” ኣብ ዝብል ዶግማዊ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘማእከለ ከምዝነበረን፣ እቲ ዶግማዊ ውሳኔ ሰብ ዘማእከለን ማለት እቲ ካብ ክርስቶስ-ሰብ ሓድሽ ዕብየት ሰብኣዊ ክብሪ ዝገልጽ ሓድሽ ሓቂ ዘማእከለን፣ ኣብ ፍቕርን ብፍቕሪ ዝጸንዕ ሕውነት ኣብ ናይ ሓቂ ጐዳና ብሓባር ንምጉዓዝ ዝመርሕ ፍቕሪ ናይ ሕይወት መሰረት ክኸውን ዝብል ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ናይ ሓይሊ ምክልኻል መንፈሳዊ ሓልዮ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፐልቪ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምዘነጸሩ ታማሮ እንክገልጻ፦ “ፍስሓን ተስፋን ዝብል ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝገልጾ መንፈስ ሕውነት ኣብቲ ናይ ኢየሱስ ውሉዳዊ መለኰት ዝቐውም ብምዃኑ ነቲ ምትሕብባር ዝብል ቃልን ተግባርን እውን ሰገርን ካብኡ ዝለዓለን እዩ። ክርስቶስ ናይ ታሪኽ ማእከልን፣ ውሉደ ኣብ ኣብ ምዃን ዘሎ ውበትን ውህበነትን ዳግም ንኽንጎናጸፍ ዘብቕዓና ክርስቶስ ፍቓድ እምላኽ እዩ። እዚ ድማ ንሕውነታዊ መንፈስ ክፉታት ክንከውን ዘብቅዓናን ንሰብ ንምርዳእ ናብቲ ሰብ ዝገልጾ ክርስቶስ ዘይኮነስ ናብቲ ሰብ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ናብ ዝገልጸልና ክርስቶስ ምኻድ ዝመርሕ እዩ። ምውግጋንን ኣድልዎን ንኣይነትን ኣነነትን ከነወግድ ዘብቕዓና” ኢሎም።
ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ናይ ኢጣሊያ ቅዋም ሃገረ ኣኽባሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሊቀ መንበር ዝነበሩ ቸሳረ ሚራበሊ ብወገኖም፦ “ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሕይወት ዘማእክልን ሕይወት ዘነቓቕሕን ብምዃኑ፣ ብማሕበርን ብውልቅን ከነንብቦ ይግባእ። ብዕምቆት ምስ እነንብቦ ጥራሕ እዩ ቅዉም ሓሳቡ ክንርድኦ እንኽእል፣ ናብ መጻኢ ዘሰጋግር ድልድ እዩ” እንክብሉ ቀጺሎም ናይ ሮማ ሰበኻ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ፦ ውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሰብን እግዚኣብሔርን ዘማእከለን ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝምንጭ ናይ ፍቕሪ መደብ ምርካብን ምስኡ ምርኻብን ኣብኡ ገዛእ ርእስኻ ረኺብካ ኣብቲ መደብ ፍቕሪ ምስ ኩሉ ምርኻብ ዝብል፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጐ ዘርኢ ሰብ ክሰርጽ ዘለዎ መንፈስ ሕውነት መሠረት እዩ። ስለዚህ እቲ እንነብሮ ዘሎና እዋናዊ ዓለም ዘጋጥሞ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው መንቀሊ ትርጉም ሰብ ኣብ ምስጢር እግዚኣብሔር ንምግንዛቡ ዘይምድላይ ዝብል” ምዃኑ ዝትንትን ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ታማሮ ገሊጸን።







All the contents on this site are copyrighted ©.