2013-09-05 17:59:53

አውያት ናይ ሰላም አብ ኩላ ምድሪ ንክስማዕ ንጨድር!


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብምኽንያት ናይ ሰሜን ንፍቀ ክበብ ናይ ዕረፍቲ ጊዜ አቋሪጾሞ ዝኸረሙ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮᎄዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ እንደገና ብምጅማር ትማሊ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብ አሽሓት ንዝቍጸሩ ምእመናን ብዛዕባ አብ ብራዚል ዝገበርዎ ዓለም ለኸ ዕለተ መን እሰያት አመልኪቶም ምቅባል ጋሻ በዓል ምግባርን ተል እኾን አብ ዝብላ ቃላት አተኵሮም ሰፊሕ አስተምህሮ ሂቦም፣ ቀንዲ ሓደራ ዝበልዎ ግን ነቲ ንድሕሪ ጽባሕ ምእንቲ ሰላም ሲርያን መላእ ዓለምን ናይ ሓደ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ዝሓለፈ ሰንበት ንዝገበርዎ ጻውዒት እንደገና ብምድጋም “አውያት ናይ ሰላም አብ ኩላ ምድሪ ንክስማዕ ዓው ቢልና ንግ ዓር” እንክብሉ አዘኻኺሮም፣
እዚ ዕለት እዚ ሽሕኳ ንሲርያ ማእከላይ ምብራቅን መላእ ዓለምን ሰላም ዝልምን እንተኾነ ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ኮይኑ ግን አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ሰላም ክወርድ ክንልምን አሎና ከመይ ሰላም ካብ ልቢ ነፍሲወከፍ ኢዩ ዚጅምር” እንክብሉ እውን ሰላም አብ ልብና ክሓድር አዘኻኺሮም፣
“ነዚ ዕለት እዚ ካብ ሕጂ ጀሚርና ብዓቢ መንፈሳውነትን እምነትን ክንነብሮ ንመላእ ቤተ ክርስትያን ዘቅረብክዎ ምሕጽንታይ እንደገና ሎሚ አሓድሶ አሎኹ፣ ነቶም ነዚ ጻው ዒት እዚ ሰሚ ዖም ምሳና ብመንፈስን ብጸሎትን ብጾምን ነዙይ ዕለት እዙይ ከሕልፉ ፍታዎም ንዝገለጹ ካል ኦት አሕዋትና ክርስትያንን ናይ ካል ኦት ሃይማኖታት ተኸተልትን ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾኑ አብዚ ዕለት እዚ ምሳና ክሓብሩ ዝወሰኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ አንስትዮን ከአ አመስግን፣ ከማኡ እውን አብ ዘዘለ ው ዎ ኮይኖም ብናቶም አገባብ ምሳና ንዝሓብሩ እውን ከመስግን እፈቱ፣ ብሕልፊ ንሮማውያን ም እመናንን አብዚ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ኩሉ ኵርነዓት ዓለም ዝመጹ ነጋድያንን አብቲ ካብ ሰዓት ሸው ዓተ ጀሚርና እንገብሮ ብምሉእ ልብኹም ነዙይ ናይ እግዚአብሔር ውህበት ዝኾነ ሰላም ብምሉ እ ልብና ክንልምን፣ አውያት ሰላም አብ ኩሉ ዓለም ም እንቲ ክስማዕ ዓው ቢልና ክንግ ዕር ክነእዊ ክንልምን እምሕጸን” እንክብሉ ነቶም ካብ ጻት ናብ ጻት ንቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መሊ ኦም ዝነበሮ ነጋድያንን ም እመናንን አዘኻኺሮም፣ አብቲ ቅር ዓት ካብ ዝነበሩ ም እመናን ካብ ኢራቅ ካብ ዮርዳኖስ ካብ ግብጺ ከማኡውን ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ነጋድያን ነሮም፣ ንኩሎም ብሕልፊ ከአ ካብ ማእከላይ ምብራቅ ንዝመጹ ነቲ ግዳይ ናይ ስደትን ውግ እን ኮይኑ ዚስደድ ዘሎ ሕዝቢ ክቅበሉን ሠናይ ዘበሉ ክገብሩን ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም፣
“ብሕውነት መንግሥቱ እናሓነጽኩም ወትሩ ምስ ክርስቶስ ተወሃሃዱ፣ ነዙይ ከአ ንዘሎኩም ኩሉ ብፍቅሪ እናተማቀልኩምን ናይ ምሕረት ሥራሕ እናገበርኩምን ይኹን፣ እምነት ን ዓለምና ፍትሓትዊትን ክትነብረላ እተብህግ ሠናይን ክገብራ ዝኽ እል ኃይሊ አለዋ፣ ስለዚ አብዚ ብሥቃይን ፈተናን ጭንቅን ዓመጽን ክፍ አትን ተሓሚሱ ዘሎ ዞና ዘሎኹም ናይ እግዚብሔር ምሕረትን ፍቅርን መል እኽተኛታት ኩኑ ሓደራ፣ እዚ ኩሉ ክፍ አት እዚ ነቲ ንሞት ዘሸነፈ ክርስቶስ ከሸንፍዎ አይክ እሉን ኢዮም፣” እንክብሉ አብ ጸሎትን ሠናይ ተግባርን ምሕረትን ዘሎ ዓቢ ኃይሊ ብእምነት ገሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.