2013-09-24 16:22:53

ብፁዕ ኣቡነ ሚሊዮ፦ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕዝቢ ሳረደይና ፍስሃ ኣተኣታትዮም


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 መስከረም 2013 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ሳርደይና ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካየዱ ክዝከር እንከሎ፣ ስእነት ስራሕ ተስፋ መንስአያትን ሕሙማንን ድኻታትን እሱራትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ብሓፈሻኡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ስቃይን መከራን ንዝርከብ ቅርበት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቓልን ሕይወትን መስካሪ እንክብሉ ናይ ካሊያሪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣሪጎ ሚሊዮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ቅዱስነቶም በታ ዕለት ኣብ ቅዱስ ስፍራ እመቤት ዘ ቦናሪያ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ሓውጾተ ኖልዎ ብሓልዮት እኖ ማሪያ ዝተኾልዔ ከምዝነበረ ዝምስክር እዩ ኢሎም።
እቶም ኣብ ቅዱስ ኣቦና ዙሪያ ተኣኪቦም ዝነበሩ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናንን ኢኣማንያንን ኮታ ኩሉ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ኣብ ቅድሚኦም ዓቢይ ዕግበትን ሓጎስ ከምዘርኣየን ከምቲ ኩሉ ሃረር ዝብሎ ንቕዱስ ኣቦና ብቐረባ ክርእይዎምን ቃሎም ብቐረባ ክሰምዑን ወለዲ ደቃቶም ናብ ቅዱስነቶም ከቕርቡን ሕሙማንን ኩሎም ካብ ቅዱስ ኣቦና ሓልዮት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከዘስተማቐሩን ርኢና። ፍሽኽታኦምን ቃሎምን ናይ ኩሉ ልቢ ዝትንክፍ እዩ ኢሎም።
ቃልሲ ቃልሲ ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተጠቂሞምን፣ ዘይቃለስ ብዓንተዉኡ ተሳዒሪ እዩ፣ እሞ ኣብዚ ዓለም ኣብ ዝንበር ዘሎ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን ኩሉ ኢዱ ከይሃበ እወታዊ ቃልሲ ከካይድን እዚ ድማ እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ፍጥረት ሰብ ዘንበሮ ክብሪ ንኸይግሃስ ብምሕሳብ ከምዝኾነን፣ ኣብ ዘ ቦናሪያ ቅዱስ ሥፍራ እውን ምስቶም ብልምስና ጅማውቲ ኣካላት ዝተጠቕዑ ሕሙማንን ሓደ ብሓደ ሰላም እናበሉንነቶም ኣብ መዕቆቢ ሕሙማን ደዌ ዝነብሩ ኣንቶኒዮ ለዮነ በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ቅዱስ ኣቦና ቀሪቦም ሓቝይፎም ክስዕምዎምን እቲ ሊዮነ ሃረር ዝብልዎ ዝነበሩ ቃል ተስፋን ሕቑፍን ፍቕርን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ኣብ ግብሪ ውዒሉ ክትርኢ ብሓቂ ንልብኻ ዝትንክፍ ኩነት እዩ ኔሩ ምስ በሉ ኣነ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተቖጺረ ዝሰረሕ ሠራሕተይና ኮይነ ክሕሰብ ወይ ድማ ክነብር ኣይደልን እየ” ዝበልዎ ቃል፣ ኣብ ኢየኡስ ክርስቶስ ብምንባር ዘራእቲ ተስፋን እምነት ፍቕርን ንምዃን ዝተጸዋዕናን ኢየሱስ ተቐቢሎም ኢየሱስ ዘመሓላለፉ ልኡካነ ወንጌል ኣገልገልቲ ሕዝቢ ብእግዚኣብሔር ዝተሓረና ምዃና ዝነጽር እይ፣ ቢሎም ነቶም ብስእነት ስራሕ ዝሳቐዩን ስደተይናታትን ቀረባ ከምዝኾኑ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ዘይኮነ ካህን ካርዲናልን ሎሚ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝነብርዎ ዘለዉ ወንጌላዊ ሕይወት እዩ ኢሎም።
ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሳርደይና እወታዊ ሓይሊ ዘነቓቕሔን ብግደና እቲ ዝበልዎን ዝመዓድዎን ዝሰበኽዎን ዘስተምሃርዎን ቃል ኣብ ግብሪ ምውዓል ኢዩ፣ ቃል ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ ክንጥንቐቕ ይግብኣና ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ንዝተንዓቑን ንዝተነጸሉን ከም ኢየሱስ ቀረባ እዮም እዚ ድማ ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎም ርክብ ዓሚዩቕ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጸልና እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.