2013-11-30 15:09:12

ሃገረ ቫቲካን፣ ቅቡል ምዕባለን ቅኑዕ ደጋፊ ኤኮኖሚያዊ ከይዲ ኣብ ኣፍሪቃ


RealAudioMP3 ዕለት 29 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቛም ዘእንገዶ ቅቡል ምዕባለን ቅኑዕ ደጋፊ ኤኮኖሚያዊ ከይዲ ኣብ ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ሓውትና ተፈጥሮ እተሰምየ ማሕበር ዘነቓቐሖ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ነቲ ጉባኤ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።
ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ “ኣብ ዓውሎማነት ከይዲ ኩሉ ተማራዃሲ እዩ። ኩሉ ምእንቲ ሓባራዊ ጥቕሚ ወይ ድማ ምእንቲ ሓባራዊ ዕንወት ይጽመድ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘረባ ብምስማዕ ዝኸፈቱ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ልሂቅ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ከምዝኾኑ ጋዜጠይና ራድዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን፣ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ላውረንት ሞንስወንጐ ፓዚንያ ናይ ኣፍሪቃ መርሕነት ኣካላት ሕንጸትን ብፍላይ ድማ እቲ ናይ ጽባሕ ሓላፍነት ተረካቢ ወለዶ ብዓንተውኡ ምሉእ ሕንጸት እናረኸበ ክዅስኮስን እቲ ጭቡጥ ናይ ምዕባለ ኣርኣያውን ማለት እቲ ሕብረሰብኣዊ ሰረተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ምዕባለ ቢሉ ዝገልጾ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዓቢይ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። እቲ ዓቢይ ብድሆ ድማ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ምሉእ ሕንጸት ዝብሎ ሓሳብ እዩ። ካብ ድኽነት ዝለዓለ ብድሆ ምዃኑ እውን እንከመልክቱ፦ ማሕበረ ክርስቲያን ምዕባለ ኣብ ሕውነትን ንሕውነትን እግዚብሔር ዝዕድሎ ጸጋ ምዃኑ ክግንዘቡ መታን ክጽልዩን፣ መሰረታውን ዝለዓለን ብሉጽ ምዕባለ ሰላም እዩ። ሰላም ድማ ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ’ሞ ጐይታ ክዕድለና ንጸልይ” ከምዝበሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን፣ ናይ ኢጣሊያ ናይ ምውህሃድ ጉዳይ ሚኒ. ሰሲለ ክየንገ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ጸረ ምዕባለ ዝኾነ ዘይምርግጋእን ምግባረ ብልሽውናን ክውገድ ማሕበረሰብ ዓለም ክተሓባበርን ኣብዚ መዳይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣገልግሎት ተበርክት ከምዘላ ኣብ ዘስምዖኦ ዘረባ እንከመልክታ፦ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዕባለ ኣፍሪቃ ዓቢይ ተራ ከዘለዋን ብፍላይ ድማ እቲ ናይ ምዕባለ መሰረት ዝኾነ ሰላም መታን ክረጋገጽ እተበርክቶ መደብ ምሉእ ሕንጸትን ደገፍን ኩሉን ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብቕዓትን ሃብትን ምዃኑ ተኣሚኑ በቢ ክእለቱን ብቕዓቱን ዓቕሙን ኣብ ሓባራዊ ምዕባለ ግደ ከምዘለዎ ክግንዘብ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መዳይ ትሓንጽ ምዃና ኣዘኻኺረን እቲ ድሕነት ኩሉ ዓቕሙን ጉልበቱን ኣብ ቅኑዕን ቅቡልን ምዕባለ ምውዓል እዩ” ከምዝበላ ቸራዞ ገሊጸን።
ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ፍሉይ ልኡኽ ንከባቢ ሳሕል ሮማኖ ፕሮዲ ነቲ ጉባኤ ዘረባ እንከስምዑ፦ “ዓቢይ ዕዳጋ እንተዘየለ፣ ዓቢይ ክፍለ ዓለማዊ ኤኮኖሚ እንተዘየልዩ ምዕባለ ድሩት ኰይኑ እዩ ዝተርፍ። ስለዚህ ዕዳጋ ክፉት ክኸውንን ምድጋፍ የድሊ፣ ኣፍሪቃ ምህርታ ኣብ ምልኣኽ ማለት ኣብ ሕቶ ኣቅርቦ ምሕርቲ ወጻኤ ኤኮኖሚያዊ መዳይ ክትድገፍ ኣለዋ። ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ሃገራት ምትሕብባር ዝብል ቀዳምነት ክወህቦ ዘለዎም ሓምሽተ ነጥብታት ኣቖፍ እዚ ድማ መግብን ጸሓያዊ ጸዓትን ቤት ትምህርትን፣ ጥዕናን ትሕቲ ቅርጽታትን ዝብሉ ምርጭታትት ዘቐድም መጸብ ናይ መጻኢ ምዕባለ ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረበን እዚ ንናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ሃብቲ ገንዘን ዝስሕብን እቲ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ስእነትን ጥምየት መግብን ከይሁሉ ዝድግፍ እውን እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን ኣብቲ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዝተፈላለያ ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝሓቁፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ እተሰምየ ማሕበር ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ማራዲያጋን ናይ ኢጣሊያ ኤኒ እተሰምየ ናይ ሃይድሮካቦን ብሔራዊ ድርጅት ልኡኽ ኣመሓዳሪ ፓውሎ ስካሮኒ ዘረባ ከምዘስምዑ ኣመልኪተን።







All the contents on this site are copyrighted ©.