Home Archivio
2014-02-04 16:13:23
ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መጽሓፍትን ቤተ ንባብን ሓድሽ መጽናዕቲ ስደት ክርስቲያን ካብ 1600 ክሳብ 1800 “ብራና ዘማረጋ”
ካብ 17 ክሳብ 19 ክፍለ ዘመን ስደትን መስዋዕትነት ክርስቲያን ኣብ ሃገረ ጃፓን ዝገልጽ ብብራና ዘማረጋ ዝጽዋዕ ሰነድ ጥልቂ መጽናዕቲ ንኽግበረሉ ኣብ መንጎ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መጻሕፍትን ቤተ ንባብን ምስቲ ናይ ጃፓን ናይ ስነ ሰብኣዊ መጽናዕቲ ብሔራዊ ተቛም ርክብ ምስ ዘለዎ ናይ ጃፓን ተቛም ስምምዕ ከምእተገብረ እንክሕበር እቲ ናይ ሓባር ስምምዕ ቅድም ቀዳድም እቲ ልዕሊ 10 ሺሕ ሰነድ ዘጠቓልል ብብራና ዘማረጋ ዝፍለጥ ገድለ ሰማዕትነት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን ጸብጻብን ምዕቃብን ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቐ ዕደ ጥበብ ክስነድን ብስሩዕ ክቕመጥን ክጽናዕን ዝብል ምዃኑ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ሰነድ ማረጋ ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ድማ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ኣብ ሃገረ ጃፓን ልኡካነ ወንጌል ኰይኖም ዘገልግሉ ብኣባል ማሕበር ሳሊሳውያን ኣባ ማሪዮ ማረጋ ዝተረኽበ ሰነድ ብምዃኑ እንክሕበር ብዛዕባ እዚ ዝተገብረ ስምምዕ ኣመልኪቶም ናይ ቫቲካን ቤተ መጻሕፍትን ቤተ ንባብን ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ፓሲኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ናይ ሓባር ስምምዕ ምትሕብባር እቲ ዝተረኽበ ሰነድ ክጽናዕ ከምዘለዎን ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን ክዝገብ ከምዘለዎ ካብ ዝብል ድላይ ዝነቐለ ምዃኑ ገሊጾም፣ ብዛዕባ እቲ ሰነድ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መጻሕፍትን ቤተ ንባብን ዘለዎ ኣተኩሮ ንናይ ጃፓን ተቛም ምስ ኣፍለጠ ኣብቲ ተቛም እውን ተመሳሳሊ ድላይ ከምዘሎ ድሮ ምስ ተሓበረ ካብዚ ክሌኣዊ ድላይ ዝተበገሰ ውሳኔ ናይ ሓባር ስምምዕ ምዃኑን እቲ ብራና ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቐ መገዲ ተዘጊቡ ክዕቀብ ዝብል ስምምዕ እውን ዘጠቓለለ ምትሕብባር እዩ ኢሎም።
ምንጪ እቲ ብራና ካብ ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነስ ኣብቲ እዋን ኣብ ጃፓን ናይ መንግስቲ ቤተ መዝገብን ዝተፈላለዩ በርገሳዊ ናይ ሕዝባዊ ጉዳይ ኣባይቲ ጽሕፈት እዩ። ኣብ 1500 ዓ.ም. መወዳእታን ብፍላይ ድማ ኣብ 1612 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ናይቲ ዝነበረ ንጉሳዊ ስልጣን ዝተክኤ ሾጉን ቆጸራ ሕዝቢ ክካይድን ብዝሒ ማሕበረ ክርስቲያን ክፍለጥ ድሕሪ ምግባር ክርስትና ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝብል ናይ ውሳኔ ሰነድ ብምጽዳቕ ስዒቡ ዝመጸ ስደትን ሰማዕትነትን ማሕበረ ክርስቲያንን ክርስትና እምነት ዝተቐበሉ እምነት ክርስትና ክክሕዱ ቅዱሳት ምስልታትን ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ክረግጹ ዝእዝዝ ውሳኔ ዝምልከት ብራና ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣብ መንጐ ሕዝብታት ናይ ባህሊ ርክብ ክህሉ ማዕጾ ዘርህው ስምምዕ እዩ፣ ሓቅን ታሪኻዊ ሓቅነት ፈሊጥካ ኣብ ሓቂ ዝተመርኰዘ ርክብ ክጸንዕ እንከሎ እቲ ርክብ ንጹርን ቀጻልነቱ እውን ውሕስን ርጉጽን ይኸውን፣ ዝሓለፈ ታሪኽ ብዕምቆት ብምጽናዕ ህልው ምትሕብባር ንኽቐውምን ዝድግፍ እውን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።
All the contents on this site are copyrighted ©.