2014-02-04 16:13:23

ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መጽሓፍትን ቤተ ንባብን ሓድሽ መጽናዕቲ ስደት ክርስቲያን ካብ 1600 ክሳብ 1800 “ብራና ዘማረጋ”


RealAudioMP3 ካብ 17 ክሳብ 19 ክፍለ ዘመን ስደትን መስዋዕትነት ክርስቲያን ኣብ ሃገረ ጃፓን ዝገልጽ ብብራና ዘማረጋ ዝጽዋዕ ሰነድ ጥልቂ መጽናዕቲ ንኽግበረሉ ኣብ መንጎ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መጻሕፍትን ቤተ ንባብን ምስቲ ናይ ጃፓን ናይ ስነ ሰብኣዊ መጽናዕቲ ብሔራዊ ተቛም ርክብ ምስ ዘለዎ ናይ ጃፓን ተቛም ስምምዕ ከምእተገብረ እንክሕበር እቲ ናይ ሓባር ስምምዕ ቅድም ቀዳድም እቲ ልዕሊ 10 ሺሕ ሰነድ ዘጠቓልል ብብራና ዘማረጋ ዝፍለጥ ገድለ ሰማዕትነት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን ጸብጻብን ምዕቃብን ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቐ ዕደ ጥበብ ክስነድን ብስሩዕ ክቕመጥን ክጽናዕን ዝብል ምዃኑ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ሰነድ ማረጋ ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ድማ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ኣብ ሃገረ ጃፓን ልኡካነ ወንጌል ኰይኖም ዘገልግሉ ብኣባል ማሕበር ሳሊሳውያን ኣባ ማሪዮ ማረጋ ዝተረኽበ ሰነድ ብምዃኑ እንክሕበር ብዛዕባ እዚ ዝተገብረ ስምምዕ ኣመልኪቶም ናይ ቫቲካን ቤተ መጻሕፍትን ቤተ ንባብን ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ፓሲኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ናይ ሓባር ስምምዕ ምትሕብባር እቲ ዝተረኽበ ሰነድ ክጽናዕ ከምዘለዎን ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን ክዝገብ ከምዘለዎ ካብ ዝብል ድላይ ዝነቐለ ምዃኑ ገሊጾም፣ ብዛዕባ እቲ ሰነድ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መጻሕፍትን ቤተ ንባብን ዘለዎ ኣተኩሮ ንናይ ጃፓን ተቛም ምስ ኣፍለጠ ኣብቲ ተቛም እውን ተመሳሳሊ ድላይ ከምዘሎ ድሮ ምስ ተሓበረ ካብዚ ክሌኣዊ ድላይ ዝተበገሰ ውሳኔ ናይ ሓባር ስምምዕ ምዃኑን እቲ ብራና ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቐ መገዲ ተዘጊቡ ክዕቀብ ዝብል ስምምዕ እውን ዘጠቓለለ ምትሕብባር እዩ ኢሎም።
ምንጪ እቲ ብራና ካብ ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነስ ኣብቲ እዋን ኣብ ጃፓን ናይ መንግስቲ ቤተ መዝገብን ዝተፈላለዩ በርገሳዊ ናይ ሕዝባዊ ጉዳይ ኣባይቲ ጽሕፈት እዩ። ኣብ 1500 ዓ.ም. መወዳእታን ብፍላይ ድማ ኣብ 1612 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ናይቲ ዝነበረ ንጉሳዊ ስልጣን ዝተክኤ ሾጉን ቆጸራ ሕዝቢ ክካይድን ብዝሒ ማሕበረ ክርስቲያን ክፍለጥ ድሕሪ ምግባር ክርስትና ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝብል ናይ ውሳኔ ሰነድ ብምጽዳቕ ስዒቡ ዝመጸ ስደትን ሰማዕትነትን ማሕበረ ክርስቲያንን ክርስትና እምነት ዝተቐበሉ እምነት ክርስትና ክክሕዱ ቅዱሳት ምስልታትን ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ክረግጹ ዝእዝዝ ውሳኔ ዝምልከት ብራና ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣብ መንጐ ሕዝብታት ናይ ባህሊ ርክብ ክህሉ ማዕጾ ዘርህው ስምምዕ እዩ፣ ሓቅን ታሪኻዊ ሓቅነት ፈሊጥካ ኣብ ሓቂ ዝተመርኰዘ ርክብ ክጸንዕ እንከሎ እቲ ርክብ ንጹርን ቀጻልነቱ እውን ውሕስን ርጉጽን ይኸውን፣ ዝሓለፈ ታሪኽ ብዕምቆት ብምጽናዕ ህልው ምትሕብባር ንኽቐውምን ዝድግፍ እውን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.