2014-06-19 16:21:33

ወግዓዊ መርሃ ግብሪ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ናብ ሃገረ ኰርያ


RealAudioMP3 ዕለት 19 ሰነ 2014 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መርሃ ግብሪ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ሃገረ ኰርያን ኣብ ሃገረ ኰርያን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ወግዓዊ ከምዝገበሮ ክፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኰርያ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ዑደት ከምዝኸውንን ናይቲ ሓዋርያዊ ዑደት ማእከላይ መርሃ ግብሪ ድማ ኣብ ዓመታዊ በዓል ዕርገት ካብ መላእ እስያ ዝተዋጽኡ መንስእሰያት ዘሳተፈ ኣብ ዳኤዦን ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።
መንእሰያትን ናይ እምነት ሰማእታትን ሰላምን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዘተኰረ ሓዋርያዊ ዑደት ክምዝዀነን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ደ ጃነይሮ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት መደብ ተሳቲፎም መርሕ ቃል ለጊሶም ድሕሪ ፍጻሜ እቲ በዓል ብነፋሪን ናብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ምምላሶም ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ንሓዋርያዊ ዑደት ናብ እስያ ነብል እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ዝዘከረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ እዚ ኣብ ደቡብ ኰርያ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ “ኰርያ ተንስኢ፣ ብርሃን ልበሲ ኣብ ልዕሌኺ ክብሪ እግዚኣብሔር ይዀላዕ” እንክብሉ ዘስመርሉ ሓሳብ ናይቲ ኣብ ኰርያ ዝፍጽምዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት መርሕ ቃል ከምዝዀነ ኣመልኪቱ።
እቲ ናይቲ ሓዋርያዊ ዑደት መርሕ ቃል ናይቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ትርጉሙን መደባቱን እንታይ ተመስሎኡ ኵሉ ዘነጽር ከምዝዀነን 124 ናይ እምነት ሰማዕታት ኰርያ ብፅዕና ክእውጁን ኣብ ናይ መላእ እስያ መዓልቲ መንእሰያት ክሳተፉን መሪሕ ቃል ክልግሱን ኣብ ሴኡል ኣብ ዝርከብ ምየኦንግ ዶንግ ካቴድራል ምእንቲ ሰላምን ዕርቅም መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከምዝዀኑን ናይ ኰርያ ብፁዕን ጳጳሳት ከምዝሓበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ክፍለ ዓለም እስያ እቲ ንሶም ብቓልን ሕይወትን ዝህብዎ ምስክርነት ሰላምን ተስፋን ብሃረርታ ዝጽበዮ ከምዝኾነ እንክፍለጥ ኣብ ኰርያ ዝነብሩ ኢጣሊያዊ ኣባል ምንቅስቓስ ንእሱሳን ማሕበረ ክርስትያን ወንጌላዊ ልኡኽ ፍራንቸስኮ ማንጋኖ ከምዝሓበርዎ፦ “መላእ ኰርያ ካቶሊካውያንን ዘይካቶሊካውይንን ብሓፈሻዊ ሕብረተሰብ ኰርያ ንቕዱስ ኣቦና ብሃንቀውታ ይጽበይ ከምዘሎን ኣብዚ ሓዋርያዊ ዑደት’ዚ ድማ ብዙሕ ትጽቢታት ከምዘንበረን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኰርያ ቤት ምሕተም ማሕበር ደናግል ቅዱስ ጳውሎስ እታ ‘ወንጌላዊ ሓሴት’ እተሰይምየት ሓዋርያዊት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ብዙሕ ከምዝኸደን ሕዝቢ ቅዱስ ኣቦና እንታይ ይብሉን ይሓስቡን ንኽፈልጥ ዓቢይ ክትገልጾ ዘይከኣል ሓንቀውታ ከምዘለዎ ዝምስክር እዩ። ብሓቂ ቅዱስ ኣቦና ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ኣስተንፍሶን ዓቢይ ድርኺት ከምዝዀኑን እዚ ድማ ዝረአይ ጭቡጥ ተግባር እዩ፣ ሓድሽ ዓይነት ልልያ ንመላእ ሰብኣዊ የቕርቡን ይምስክሩን የርእዩን ኣለዉ፣ ስልጣን ከም ፍጹም ሓይሊ ዘይኰነስ ኣገልግሎት ማለት ምዃኑ ብቓልን ሕይወትን ዝምስክሩ እዮም፣ ንመላ ዓለም ህያብ፣ ኣገባቦም ኰታ ኩሉ ዝብልዎን ዝገልጽዎን ብመላእ ሕዝቢ ዓለም ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻእን ተፈቃሪ ኽኾኑ ገይርዎም እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.