2015-01-17 17:37:45

ሐዋርያዊ ዑደት ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮስ አብ ፍሊፒን ብጽቡቅ ይቅጽል አሎ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ስሪላንካ ዘካይድዎ ዝነበሩ ሐዋርያዊ ዑደት
ዛዚሞም አብ ፍሊፒን ይቅጽልዎ ከም ዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ ፡ ትማሊ ካብቲ አዕሪፎምሉ ዘለዉ ቤተ ሊቀነ ጳጳሳት ንመራሕ መንግስቲ ፍሊፒን ናይ ክብሪ ምብጻሕ ከካይዱ ንቤተ መንግስቲ ማላካኛን በጺሖም ።ፕረሲደንት በኒኞ አኲኞን ላዕሎዎት ሰበ ስልጥናትን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምዉቅ አገባብ ተቀቢሎምዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን መራሕ መንግስቲ በኒኞን አኲኞን አብቲ ሙዚክ አዳራሽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብብሕቲ ሐሳብ ንሐሳብ ተለዋዊጦም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን መራሕ መንግስቲ ፍሊፒንን ህያብ ተለዋዊጦም፡ ፕረሲደንት ፍሊፒን ንስድራ ቤተም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አፋሊጦምም ፡ ብሐሐባር ክአ ንመዘከርታ ተሳኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ቤተ መንግስቲ ፍሊፒን ምስ ናይ መንግስቲ ላዕሎዎት ሰበ ስልጣናትን ዲፕሎማትን ተራኺቦም ፡ አብዚ ርክብ”ዚ ፓፓ ፍራንቸስኮ ሰላምን ማሕበራዊ ፍትሕን ትኩረት ዝገበረ ቃል አስሚዖም ። ሰበ ስልጣናት መንግስትን ዲፕሎማትን ንዝገበሩሎም ሙዉቅን ሐጎስ ዝመልኦን አቀባብላ አመስጊኖምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦምን ተፋንዮምዎም ፡ ካብዚ ናብቲ አብታ ከተማ ዝርከብ ጥንታዊ ካተድራል ቅድስቲ ድንግል ማርያም አምሪሖም ፡ ቤተ ክህነት ፍልፒንን ምእመናን ብመንፈሳዊ መዝሙርን ብጠቃዒትን ሐጎስን ተቀቢሎምዎ ። ምስ ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ብህባሬ መስዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም ። አብ ስብከቶም ክአ ማሕበራዊ ፍትሒ ክህሉ ርትዓውን ንኹሉ ዝሐቁፍን መምርሒ ክህሉ አብ ድኻ ማሕበረ ሰባት ዘሎ ጸጋማት መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ ሞራልን ፈሪሀ እግዚአብሔርን ክነግስ ተማሕጺኖም።
ድሕሪ ፍጻሜ ሥርዓተ ቅድሴ ካተድራል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ማኒላ ናብ ሐደ አብ መንገዲ ዝናበሩ ሕጻናት ዝርከብሉ ቦታ ተጓዒዞም ምስቶም ሕጻናት ተራኺቦም ዘሕልፍዎ ዘለዉ ዕለታዊ ሕይወት አዝዩ ከም ዘሕዝኖም ከም ዝገለጹን ነትም ሕጻናት ከም ዝባረኽዎምን ናይ ቅድስቲ መበር አቀባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎማባርዲ አገንዚቦም። ናብ ቤተ ሊቃነ ጳጳሳት ማኒላ ተመሊሶም ምስ ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን መአዲ ቀሪቦም ድሕሪ ሐጺር ዕረፍቲ ክአ በቲ መደብ ሐዋርያዊ ዑደቶም መሰረት ናብቲ Mall of Asia Arena ዝጽዋዕ ዓቢ አዳራሽ ተጓዒዞም ምስ ክልተ ሺሕ ስድራ ቤታት ማኒላ ተራኺቦም።
አብ ረኪበ ጳጳሳት ማኒላ ናይ ስድራ ቤት ኮሚስዮን ፕረሲዳንት ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ቃል አስሚዖም ። ድሕሪ ርክብ ምስ ስድራ ቤታት ማኒላ ናብቲ ዝዕረፍሉ መካን ቤተ ሊቃነ ጳጳሳት ተመሊሶም በዚ ክአ ናይ ትማሊ መደበ ሐዋርያዊ ዑደቶም ተዛዚሙ ።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሎሚ ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ቪላ ሞር ኤይር በይዝ ብነፋሪት ካብ ርእሰ ከተማ ማኒላ በስተ ደቡብ 650 ኪሎ ሜትር ርሒቁ ዝርከብ ንደሴት ለይት ንታክሎባን ሲቲ ተጓዒዞም ተክሎባን ሲቲ አትዮም ናይታ ደሴት ውሉደ ክህነትን ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣናትን በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን ተቀቢሎምዎም። ወርሒ ሕዳር 2013 ዕለት ሾሞንተ አብ ድሴት ለይት ዮላንዳ ሃያን ዝተባህለ መሸንበባ ዝናብ ዝተሐወሶ ህቦብላ ተኸሲቱ ብአሽሐት ዝቁጸር ህዝቢ ሕይወቱ ዝስአነሉን ንብረት ዝበረሰሉን ደሴት ከም ዝኾነ ይፍለጥ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ቶክሎባን ሲቲ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን አብ ዝተረኽብሉ ብብጹዓን ካርዲናልትን ጳጳሳትን ተሰንዮም መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም ፡ አብ ግዜ ቅዳሴ አብብ ዘስምዕዎ ስብከት ፡ ድሕሪ ፍጻሜ ቅዳሴ ክአ አብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያንን ከባብን ንዝነበሩ ምእመናን እናተዘዋወሩ ሰላም ኢሎም ሐዋርያዊ ቡራኬን ሂቦም ብድሕሪኡ ንቤተ ሊቃነ ጳጳሳት ሰበኻ ፓሎ ተጓዒዞም ምስቶም ካብ ህቦብላ ዮላንዳ ዝድሐኑ ሳላሳ ስድራ ቤታት ንምሳሕ መአዲ ቀሪቦም። ድሕሪ ምሳሕ ናብቲ ብሰብዓታት ዝተሰርሔ Pope Francis Center for the poor ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ንድኻታት ዝተባህለ ማእከል ተጓዒዞም ምስቶም አብቲ ማእከል ዝርከቡ ዘኽታማትን ሽማግለታትን ተራኺቦም ምስአቶምተዋሲኦም።ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮምዋኦም።እዚ ማእከል”ዚ አሕዋት ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝብሃል ማሕበረ ሰብ ዝማሐደር ብሰብዓታት ብሐደ አባ ጆን ኦብ ዉንግ ዝተባህሉ ደቡብ ኮርያዊ ዝተመስረተ ከም ዝኾነ ይፍለጥ ካብቲ ማእከል ንካተድራል ፓሎ ከም ዝተጓዙ ክፍለጥ አንከሎ አብቲ ካተድራል ጳጳሳት ካህናት መነኲስያት መነኮሳን ተመሀርቲ ዘርአ ክህነት ምእመናን ብታጓስን ብዕልልታን ተቀቢሎምዎ ። ናይ ሰበኻ ፓሎ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ብ ጹዕ አቡነ ጆን ኤፍ ዱ ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ቃል አስሚዖም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካአ ንዝተገብረሎም ሕውነታዊን ሐጎስ ዝዓሰሎን አቀባብላ አመስጊኖም። ነቶም አብ ፓሎ ካተድራል ዝተረኽቡ ጳጳሳት ካህናት መነኲስያት መነኮሳንን ተመሀርቲ ዘርአ ክህነትን ካብ ብ2013 ካብ ህቦብብላ ዮላንዳ ዝድሐኑ ሰባትን አብ ዘስምዕዎ ቃል ፡ ዝተፈኹም አሐትን አሕዋትን ውሉደ ክህነትን አብዛ መድኅን ዓለም ዝተለወጠላ ካተድራል ክንራኸብ ብምክአልና ሐጎስ ይስምዓኒ እዛ ቤተ ክርስትያን እዚአ ትሕደስ ስለዘላ ነቶም ነዚ ጻዕሪ”ዚ ዘካይዱ ዘለዉ ሰባት የመስገን ።ብዙሐት ካባኻትኩም በቲ ቅድሚ ሐደ ዓመትን ክልተ ወርሕን ዝወረደ ተፈጥሮአዊ መቅዘፍቲ ዮላንዳ ማዕበል ቤተ ቤ ሰብኩምን ፈተውትኹምን ከም ስአንኩም ንስኻትኩም በቲ ዝተኸሰተ ማዕበል ከም ዝተሳቀኹም ይፈልጥ እግዚአብሔር ጽንዓቱ ይሃብኩም ምእን”ቶም ዝሐለፉ ሐቢርና ንጸሊ ብማለት ጸልዮምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦምን ተፋንዮምዎም ። ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝርከቡ ወኪላት ዜና ራድዮ ቫቲካን ከም ዘመልከትዎ ጠባይ አየር ደሴት ለይተ ስለ ዝተቀየረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ታክሎባን ሲቲ ብዝቀልጠፈ ግዜ ንርእሰ ከተማ ማኒላ ተመሊሶም በዚ ክአ ናይ ሎሚ መርሀ ግብር ሐዋርያዊ ዑደቶም ተዛዚሙ ። ጽባሕ ረፍዲ አብ ዩኒቨርሲቲ ቅዱስ ቶማስ ብዝገብርዎ ምብጻሕ ሐውርያዊ ዑደቶም ክቅጽሉ ኢዮም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.